ተኸፊሉ ተኸፊሉ ዕዳየይን ሓጥያተይ ተኸፊሉ
ተኸፊሉ ተኸፊሉዩ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ውዒሉዩ
ሕጊ ኣልቦ ኔረ ቀደመ
ኣይሰምዕ ኣይርዳእ ጸሚመ
ክርስቶስ ኣጋጢሙኒ
ሂወቱ ብነጻ ሂቡኒ
ወሉድ ተባሂለ ተዓዲለ
ጸጋ ለጊሱለይ ከይበቀቀ
ብእምነት ክነብር ሓጊዙኑ
የሱሰይ 'ታይ ኣሎ ዘይሃበኒ
ተኸፊሉ ተኸፊሉ ዕዳየይ ኣብ መስቀል ተኸፊሉ
መርገመይ ብጎይታይ ተሰይሪ'ዩ
ተኸፊሉ ተከፊሉ ሓጥያተይ ኣብ መስቀል ተኸፊሉዩ
ተሰይሩ'ዩ ተኣሲሩዩ ሓሳባት ጸላእተይ ንኾንቱዩ
ወሉድ ተባሂለ ተዓዲለየ
ጸጋ ለጊሱለይ ከይበቀቀ
ብእምነት ክነብር ሓጊዙኒ
የሱሰይ 'ታይ ኣሎ ዘይሃበኒ
ህያው ጌሩኒ ተዓዲለየ
ወዱ ጌሩኒ'ዩ ተዓዲለየ
ወርሻ ሂቡኒዩ ተመሪቀየ
ናይ ውሉድ መሰለይ ረኺበየ
ተኸፊሉ ተኸፊሉ ዕዳየይን ሓጥያተይ ተኸፊሉ
ተኸፊሉ ተኸፊሉዩ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ውዒሉዩ