ይሓድገካ ኣለዂ. ኣብ መዓሙቕ ልበይ የንብረካ ኔረ.
ጸገም'ዪ ... ብርቱዕ ዝቓንዝኡ... ኮይኑ ግን ገዲፈካ'ለዂ.
ኣፍቂረካ ኔረ ... ተጸቢየካ... ሕጂ ግን ኪድ ክሓድገካ.
ትማሊ ረኺበካ ብሕልሚ ለይቲ መጺኻኒ ብድንጋጸ የዒንትኻ ንብዓት ቖጺሩ
ኢልካኒ ተፍቅርኒ 'ዶ ተጸቢኽኒ'ዶ
ምሳኻ'የ ክኸዉን ዝደሊ ።
በጃኻ ክኸይድ ኣይትሕደገኒ ። ትዝክረኒ ኣይመስለንን ።
ፍቕረይ ኩሉ ወሲድካዮ ጸገም የለን እንተ ዘይፈሊካዮ ።
ሓጎስ ክሓልም ሓዘን ኣፋንየ ሓዘን ክርሕቕ ሓጎስ ክመልእ።
ኣፍቂርካኒ ንዓ ርኢኻ ኣባይ አነ ግን ከፍቂረካ'የ ዝያዳ ።
ክከላኸለልካ'የ ኣይክሓድጕካን'የ
ኣይክፍለየክን'የ ፍቕርተይ ክብርተይ
በለኒ ኢኻ ናይ ዘልኣለመይ
እመነኒ ጥራይ ጨብጦ ኢድና ኣይባተኽ
ደጊም ኢዶና ኣይባተኽ ።